እምነት – ትግርኛ
ኣብቲ ብ 1983 ዓመተ ምሕረት ኣብ ኰለምበስ ኦሃዮ ዝተገብረ ናይ ፈለማ ኣኼባ ናይ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ካብ ሓምሳ ዘይበዝሑ ሰባት ዝተኻፈለሉ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሎሚ፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያንን ኣገልግሎቱን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ፡ ከምኡ ድማ ንበረኸትን ድሕነትን ብዙሓት፡ ኣብ ኩሉ ዂርናዓት ናይ ዓለም ብዝርከብ፡ ብኣሽሓት ዚቚጸር ዜጋን ካልኦትን ኣብ ዝፍለጠሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ምስናይ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ናይ ካልእ ሃገራት ዜጋታት ነቲ ኣገልግሎት ብ.ሕ.ወ. ኣርሒቑ ንክኸይድ ተሓባቢሮም፡ ገና ድማ ይተሓባበሩ ኣለዉ።
ዕላማ … ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን እምበኣር፡
-
ነቲ ብጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ሕድሪ ተልእኾ ወንጌል ነቲ ኣብ ፈቐድኡ ብስደት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ወይ ትርግኛ ንዝርዳእ ምብሳር (ማቴ 28፡19-20)፡
-
ነቶም ነቲ ብስራት ወንጌል ዝተቐበሉ ኵሎም፡ በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ጸጋ ኺዓብዩን ክሰስኑን ምዂስኳስ:
-
ሕብረት ኣመንቲ ብኣምልኾ ምጥርናፍ፡
-
ኣመንቲ ኣብቲ እተዋህበ ሕድሪ ወንጌል ተሳተፍቲ ክዀኑ ምዕጣቕን ምዂስኳስን እዩ።
ኣገልግሎት
ዝተሓንጸጸ ዕላማ ንምትግባር፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ዓመታውን ኵነታውን ኣኼባታትን ብምክያድ፡ ከምኡ’ውን ከም ኢንተርነት ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ መገድታት ብምጥቓም ኣገልግሎቶም ኼሳልጡ ይጽዕቱ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ጽሑፋትን፡ ከምኡ’ውን ሲዲታትን ቪድዮታትን ዲቪዲታትን ይዝርግሑ፡ ኣብ ዝተፈለለየ እዋን፡ ኵነታት ከም ዘፍቀደ ድማ ምዱብ ዑደት የካይዱ። እቲ ብ Campus Crusade ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተሞርኲሱ ዝተዳለወ፡ ንመጀመርታ እዋን ድማ ብብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ናብ ትርግርኛ ዝተተርጐመ፡ ግሩም ዝዀነ ናይ የሱስ ፊልም፡ ይዝርግሑ።
ኣኼባታትን ዑደታትን
ኣኼባ ኪብሃል ከሎ ዓመታዊ ጉባኤን ካልእ ኣኼባታትን ዘጠቓለለ እዩ።
-
ዓመታዊ ኣኼባ ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤ እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ፡ ንምሉእ ስድራ ቤት፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ዝሳተፉዎ፡ ናይ ሓደ ሰሙን ጉባኤ እዩ።
-
ስድራ ቤት፡ ዓበይትን ንኣሽቱን >ኣኼባታት ኪብሃል ከሎ ድማ ኣብ ህልዊ ወይ ኣብ ድሮ ዝቘሙ ኣኼባታት ብኣካል ኬድካ ናይ መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ምብርታዕን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ናይ ምክያድ የመልክት።
-
ኣብቲ ዝቘመ ኣኼባታት ዘይብሉ ቦታታት ከኣ፡ ኣኼባ ንኺጅመርን እግሪ ኺተክልን ዚገብር ኣገልግሎታት የካይዱ።
-
ጽሑፋትን መጻሕፍትን ኪብሃል ከሎ፡
-
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ’ውን እተፈላለዩ ናይ ትርግርኛ ስነ ጽሑፋትን መጽሓፍትን፡
-
ርብዓዊ መጽሔት፡ “ብስራት”፡
-
ናይ ሓባርን ናይ ግልን መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዚድግፉ ዓይነ-ንስሪታት ኣዳሊልዮም ይዝርግሑ።
-
እተፈላለዩ ካሴት ተይፓትን፡ ቪድዮታትን፡ ዲቪድን፡ ሲድን፡ ከምኡ እውን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ይውፍዩ።
ምምሕዳር፡
ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ እብቲ ዓመታዊ ጉባኤ በብጊዚኡ ብተሳተፍቲ እተመርጹ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ሽማግለታት ይመሓደርን ይዋፈረን። እዞም ኣባላት፡ ብዛይካ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፎም ብፍታውን ድሌትን ደኣ እምበር ተኸፊሎም ዘገልግሉ ኣይኰኑን። እቲ ሓደ ከም ኣካያዲ ዀይኑ ስለ እቲ ዘወፍዮ ምሉእ ኣገልግሎት፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ደሞዝ ዘይኰነስ፡ ወርሓዊ ሓገዝ፡ ብዝከኣሎም መጠን ይውፍዩሉ።
ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ እቲ ንመመሓደርን መዋፈርን ዚኸውን ብምሉኡ ካብቲ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ዚግበር ናይ ተሳተፍቲ መብጽዓታትን ዕሽራትን፡ ከምኡ’ውን ስሕት ኢሉ በብእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝትን ምእመናንን ዚመጽእ እዩ። ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ካልእ ምንጪ እቶት የብሎምን።
ንምሃብን ምድጋፍን ውሱን ጊዜን ኵነታትን ኣየድልዮን እዩ እሞ፡ ንኣገልግሎት ወንጌል፡ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድራሻ፡
Besserat Evangelical Society
142 King Avenue
Columbus, Ohio 43201 USA
ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን (ብ.ሕ.ወ.) ነቲ ኣብ ፈቐድኡ ብስደት ፋሕ ኢሉ ንዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ወንጌል መድህኔ ኣለም ንምብሳር ተተኺሉ ዝቘመ ሕብረት እዩ። ቤት ጽሕፈት ናይ ብ.ሕ.ወ. ኣብ ኮለምበስ ኦሃዮ፡ ኰይኑ ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ነጸብራቓት ይኹን ጽልዋታት ወይስ ተጽዕኖ ናይ ውልቅን ጉጅለኣዊ ክርስትያናዊ ማሕበራትን ነጻ እዩ። መሰረትን መምርሕን ናይ ብ.ሕ.ወ. እቲ ኹሉ ኺሓልፍ ንዘለኣለም ደኣ ህያው ኰይኑ ዚነብር እንኮ ቃል ኣምላኽ (መጽሓፍ ቅዱስ) እዩ።