In Memory & Funeral of Dr. Debessai Asseni (ዶር. ደበሳይ ኣሰኒ)

3:00 – 4:30 PM ET Saturday, February 2, 2013 (Click Here to Watch Video)

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ዶር. ደበሳይ ኣሰኒ።

ዶ/ር ደበሳይ ኣሰኒ፡ ካብ ኣቦኡ ባሻይ ኣሰኒን፡ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ. ኪዳንን ብለካቲት 15,1953 ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እገላ ተወሊዱ። ኣሕዋቱ ወልዳይን፡ ትኳቦን፡ ሓፍቱ ድማ ምላሹ ኣሰኒን እዮም። ናይ መባእታን፡ ካልኣይ ደረጃን ተምህርቱውን ኣብዛ ዝተወልዳ ከተማ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ኣማሊኡ። እቲ ልዕሊ ኹሉ ኣብ ህይወቱ ዓቢ መንፈሳዊ ለውጢ ናይ ዕላማን መደብን ዝደኰነ፡ ናይ ኣተሓሳስባን፡ ኣረኣእያን፡ ፍልስፍና ጕዕዞ ህይወት ድማ ዝመስረተ፡ በቲ ናይ እምነት ማሕበር ኣብ ላዕላይ ሹቕ (ዕዳጋ) ዝካየድ ዝነበረ መንፈሳዊ ስብከትን፡ ትምህር,ትን፡ መሪሕነትን፡ ዝተረኽበ ፍረ ኣገልግሎት ወንጌል ክርስቶስ እዩ። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ንመንእሰይ ደበሳይን፡ ብዙሓት ኣዕሩኽቱን፡ ዓብዪ መንፈሳዊ ለውጢ ናይ ህይወት ኣፍርዩን፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ዝመርሐን፡ ዝሃነጸን ብርሃን ወንጌል ኣብ ህይወቱ ብግልጺ ተንጸባሪቑ እዩ።

 

ድሕሪ’ዚ ተመክሮ ብርሃን ለውጢ ህይወት፡ ደበሳይ ኣብታ ማሕበር መምህር ተቘጺሩ ከገልግል ምስ ጸንሐ፡ ኣብኡ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮሎጅ ኣትዩ፡ ትምህርቲ ስነ መለኮትን፡ ሙዚቃን ኣጥቢቑ ተማህረ። በዚ ተሃኒጹን ተዳልዩን ድማ፡ ገና ብዕሸል ንእስነት ህይወቱ፡ ንብዙሓት ዝባርኽ ዘሎ፡ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን መንፈስዊ መዛሙርን፡ ዜማታትን፡ ስነ-ጽሑፋትን ክደርስን ከበርክትን፡ ከኣለ። ዝለዓለ ፍልጠት ንምድላብ ብዝነበሮ ዕቱብ ናይ ትምህርቲ ጽምኣት ድማ፡ ብ1982 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ፍሎሪዳ፡ ብምምጻእ ኣብ (Hope Sound Bible College) መንፈሳዊ ኮለጅ ኣትዩ፡ ብትምህርቲ ስነ መለኮት ብ1985 ተመሪቑ።

ብዙሓት ብቐረባ ዝፈልጡዎ ናይቲ እዋን መማህርቱን፡ ኣዕሩኽቱን፡ “ዶ/ር ደበሳይ፡ ሓደ ነገር ክገብሮ ወይ ክበጽሖ እየ ኢሉ ዝሃቀኖ ዕማም፡ ኣብ መፈጸምታ ከየብጽሖ ከቋርጽ ማለት ዘበት እዩ፡” ይብሉ። እዚ ፍሉይ ባህራያቱ ብቐጻሊ፡ ነቲ ዝነበሮ ክቱር ጽምኣት ፍልጠን ንምርዋይ ኢሉውን እንደገና ናብ ትምህርቲ ሕክምና (Medical School) ኣትዩ፡ ብመዓርግ ዶክተርነት ትምህርቱ ብ2000 ዓም ብዓወት ዛዘመ። ኣብ ንዩዮርክ ብሕክምና እናሰርሐ ከሎ፡ ከም ልማዱ ንጕባኤ ዓመታዊ ብስራት ኣብ (Springfield IL) ኢሊኖይ  ክሳተፈ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ ብርቱዕ ሓሚሙ፡ ብዶ/ር ኣርኣያን፡ ወ/ሮ ለምለምን፡ ጕባኤ ኣቋሪጾም፡ ንኢንድያናፕልስ ኣምጺኦም ኣብ ቦታ ሕክምና፡ ረዲኤት ክረክብ ገበሩሉን ተኸታተሉን። ናይ ብህይወት ምንባር ዕድል ምስ ረኸበ፡ ኣብ እንድያናፖሊስ ንኽቕመጥ እዚ ምኽንያት ጌሩ ምስ ደቂ ማሕበሩ ከምልኽን ከገልግልን መደበ። ኣብዚ ማሕበር እናምለኸን፡ ኣብ ኮለጅ ኣይቭይተክ እናመሃረን፡ ኣብቲ ናይ ምንፈሳዊ ኣገልግሎት ደቂ ማሕበሩ ተውፈየ። ኣገራሚ ኣገልግሎት ሙዚቃን፡ ምዝሙርን፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንነኣሽቱን ዓበይትን ከበርክት ድማ ጸኒሑ።

ከምታ ድሌቱን ጽምኣቱን ድማ፡ ብጥሪ 27 2013 ሰንበት፡ ኣብ መድረኽ ኣምላኽ ደው ኢሉ፡ ንህዝቢ መጽሓፍ ሩት እናመሃረ፡ ናይ “ሽግር ስደተኛ ኣማኒ ቤተ-ሰብ፡” መልስን፡ ረዲኤትን፡ ደበሳን ካብ ላዕሊ ከም ዝወርደሉ እናተርጐመን፡ መልእኽቱ ክድምድም ከሎ፡ ብድንገት ድምጹ ኣቋሪጹ፡ ሀይወቱ ናብ ወሃቢኣ ተመልሰት። እታ ፈራሲት ድንኳኑ ግና ኣብ ቅድሚ ሰማዕትን ተዓዘብትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ቦታ ተገምሰሰት። ዓመታት ኣገልግሎት ክውሰኸሉ፡ በቲ ጕባኤ ንሓደ ሰዓት ኩሉ ዝከኣል ጸሎትን ሕክምናን ተፈቲኑ። መደብ ኣምላኽ ግና ንኽወስዶ ወሳኒ ነይሩ። ህይወት ዶ/ር. ደበሳይ ንምቕሳም ትምህርትን፡ ንኣገልግሎት ማሕበር ኣምላኽን ተወፍያ ስለ ዝነበረት፡ ከም ሰብ፡ ሓዳር ክገብርን፡ ውሉድ ከትርፍን ኢሉ ንሓዳር ኣተኵሮ ከይሃቦ፡ በዛ ዕለት 01/27/2013 ካብ መድረኽ ኣምላኽ ተመንጢሉ ብኽብሪ እናነብዐን፡ እናንብዐን፡ እናሰሓቐን፡ እና’ስሓቐን፡ ካብ ቅድሚ ንኣሽቱን ዓበይትን ሰማዕቱን ተዓዘብቱን፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ፡ ብሃንደበትን፡ ብቕጽበትን፡ ብዘይ ሓሰብናዮ ካብ ቅድሜና ተመንጢሉ ተወስደ። ስነ ስርዓት ቀብሩ፡ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ቀዳም 02/02/13 ሰዓት 3፡00 ድቀ ብሓዘን ዘይኰነ፡ ብመዝሙርን ደስታን ክኽበር እዩ።

ቃል ምስክሩ ብዛዕባ’ቲ ንየሱስ ክስዕብ ዝወሰዶ መደብ ብኸፊል ከምዚ ይብል፡ “ንየሱስ ምስዓብ ዝመረጽኩላ፡ ካብኡ ሕድገት ዝረኸብኩላ፡ ልበይ ሓጎስ ዝጀርበበላ፡ ክንደይ ብርኽቲ መዓልቲ እያ” በለ።